Friday, February 1, 2013

ኤርትራ ውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንምንቅስቓስ ሓይልታት ምክላኻል ኤርትራ ብምድጋፍ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

"ሎሚ ኣብ ፎርቶ፡ ጽባሕ ኣብ ኮምብሽታቶ''

ኤርትራ ውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንምንቅስቓስ ሓይልታት ምክላኻል ኤርትራ ብምድጋፍ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ለንደን ዝወሓዙ መንእሰያት ዝበዝሑዎም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ነቲ ምዑታት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘካየዱዎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ምንቅስቓስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምጽዋዕን፡ ሎሚ 1 ለካቲት፡ ኣብ ለንደን፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ውዕዉዕን ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ብስርሒት ፎርቶ ሓይልታት ምልካኻል ሞራሎም ክብ ዝበለ ኣማኢት ሰልፈኛታት፡ ፎርቶ ደሓን ትእቶ፡ ንህዝብና ኣበራቢራቶ፡ ንዝብና ኣስሚራቶ”፡ “ ሎሚ ኣብ ፎርቶ ጽባሕ ኣብ ኮምሽታቶ” ዝብሉ እዋናውያን ጭርሖታት ብምቅላሕ፡ ብዘይካ ፍጹም ምውጋድ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ድሕነት ህብዝን ሃገርን ኤርትራ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ደጊሞም ኣረጋጊጾም። እቲ ድሕሪ ምንቅስቓስ ተባዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብተሳተፍነቱን ውዕዉዕነቱን ፍሉይ ድምቀት ዝነበሮ እዩ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንእሰያት፡ ናብ ውሽጢ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣትዮም ዘካየዱዎ ተቓውሞን፡ ብድሕሪኡ ኣብ 10 Downing Street ብህጹጽ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን፡ እዚ ናይ ሎሚ ‘ውን ክብ ዝበለ ከምዝኸውን ስለዝተገመተ፡ ኣፍደገ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብብዝሒ ፖሊስ እዩ ክሕሎ ውዒሉ።

No comments:

Post a Comment